

ስርዓት ስታቲስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ተሃኒፁ ትካልና ማእኸል ፍልፍል መረዳእታን ሓበሬታን ኾይኑ ምርኣይ፣
ስርዓት ስታቲስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ብምህናፅ ፅሬቱን ደረጅኡን ዝሓለወ መረዳእታታትን ሰነዳትን ብምፍራይን ድልዊ ብምግባርን ንተጠቀምቲ ምዝርጋሕ።
መረዳእታ ሃፍቲ ምኻኑ ንኣምን!
ድሕንነትን ምስጢራውነትን መረዳእታ ምሕላው መለለይና እዩ!
ንሞያና ዝለዓለ ክብሪ ንህብ!
ፅሬቱ ዝሓለወን ሓቀኛን ተኣማንን መረዳእታ ምፍራይ መለለይና እዩ!
ብውፅኢት ስራሕና ንኣምንን ንዕቀንን!
ንድሌት ህዝብን መንግስትን ቀዳምነት ንህብ!
ንግዕዝይና ዝፅየፍን ዝቃለስን ሰራሕተኛ ንሃንፅ!
ፍትሓውነትን ሚዛናውነትን መግለፂና እዩ!
ኣብ ምህዞን ውፅኢት ቴክኖሎጅን ንኣምን!
ገምጋማዊ ስልጠና ኤጀንሲ ስታቲስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን
ብምትሕብባር ዩኒሴፍን ኤጀንሲ ስታቲስቲክስ ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ሎሚ ዕለት23/02/2017 ዓ/ም ናይ 93 ወረዳታት መተሓባበርቲ ምዝገባ ወሳኒ ኩነት፣ ክልል ስታፍ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን በጀት ዓመት 2016ዓ/ም ኣመልኪቱ ብዳህሳስ ዝተረኸበ ርካቦ፣ ዝነበረን ጥንካረን ድኽመትን፣ኣብ ከይዲ ምዝገባ ዘጋጥሙ ዝነበሩ ፀገማትን ዝተቀመጠ መፍትሒን ሓዊሱ ገምጋማዊ ስልጠና ዝተኻየደ እንትኸዉን ኣብ ኣሰራርሓ ዘጋጥሙ ዝነበሩ ግን ምስ መዳርግቲ ኮይንካ ክፍትሑ ዝግብኦም ፀገማትን ካልኦት መፍትሒ ዘድልዮም ወሰንቲ ጉዳያት ድሕሪ ምግምጋም ኣብ ዝተልዓሉ ሓሳባት መብርሂ ተዋሂቡ’ዩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ትልሚ አሬንቴሽን 2017ዓ/ም ብምቕራብ
- ንሕ/ሰብ ኣስተምህሮ ክዋሃብ
- ኩሎም ኩነት ኣብ እዋኖም ክምዝገቡ
- ምስ መዳርግቲ ኣካላት ተዋዲድካ ክስራሕ
- ፀብፃብ በብእዋኑ ክላኣክ
- ንጣብያታት ደገፍን ክትትልን ክግበር
- ወፃኢ ማእከል ክህሉ ብምግባር ዓርሱ ዝካኣለ በጀት ክምደብ ምግባር ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ብምዝታይን ብምርድዳእን ኣብ መደምደምታ ብምብፃሕ እቲ ስልጠና ተዛዚሙ እዩ ፡፡
መድረኽ ምኽክር ኤጀንሲ ስታቲስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን
ብምትሕብባር ዩኒሴፍን ኤጀንሲ ስታቲስቲክስ ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ካብ ኩለን ወረዳታት ናይ ዞባታት መራሕቲ ሃይማኖት ኣቦታት ፣ናይ ኤጀንሲ ስታቲስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን መራሕቲ ጉጅለ ኣቅርቦት ቅበላን መፅናዕቲን ስልጠናን ኩለን ወረዳታት፣ካልኦት ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ከይዲ ምዝገባ ወሳኒ ኩነት ናይ ግንዛበ መጨበጢ ፅሑፍ ድሕሪ ምቕራብን ኣብ ሕሉፍ 2016ዓ/ም ንመዳርግቲ ኣካላት ኣብ ዝተውሃበ ግንዛበን ዝተረኽበ ለውጢን ብምቅራብ፡-
- መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ሕሉፍ ተሞክሮኦም ከመይ እናሰርሑ መፂኦም፣ሐዚኸ ምስ ክኢላታት ኤጀንሲ ስታቲስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ኣብ ከይዲ ምዝገባ ወሳኒ ኩነት(ልደት፣ሓዳር፣ፍትሕ፣ውላድ ጡብን ሞትን) ግደ መራሕቲ ሃይማኖት እንታይ ይመስል?
- ምስ ክኢላታት ኤጀንሲ ስታቲስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ከመይ ተደጋጊፎም ይሰርሑ?
- ርእሳነ መምህራን ምስ ክኢላታት ምዝገባ ወሳኒ ኩነት ብኸመይ ተደጋጊፎም ይሰርሑ?ኣብ ክሊ ስራሕ ዘጋጥሞም ፀገም ብከመይ ተረዳዲኦም ይፈትሕዎ?
- ግደ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ንከይዲ ምዝገባ ብከመይ ይድግፉ? ኣብ ዝብሉ ዓበይቲ ሓሳባትን ካልኦትን ብምምኽኻር ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት በብፅሒቶም ወሲዶም ሓቢሮምን ተደጋጊፎምን ንኽሰርሑ ብምርድዳእ ቀፃሊ ናይ ስራሕ መምርሒ ብምሃብ እቲ ስልጠና ተዛዚሙ።
መድረኽ ኤጀንሲ ስታቲስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን
ብምትሕብባር ኤጀንሲ ስታቲስቲክስ ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ዩኒሴፍን ኣብ ከይዲ ምምዝጋብ ወሳኒ ኩነት ኣመልኪቱ ብዩኒሴፍ ናይ ዝተሓቆፋ 13ተ ወረዳታት ካብ ሕድሕድ ወረዳ 5ተ ርእሳነ መምህራን ፤ ሓደ ሓደ ክኢላ ምዝገባ ወሳኒ ኩነት ኣብ ዝተረኸበሉ ብጣዕሚ ወሰንቲ ኣብ ዝኾኑ
- ምስ ቁልፊ መዳርግቲ ኣካላት ማለት እዉን ምስ ቤት ፅሕፈት ትምህርትን ቤት ፅሕፈት ጥዕናን ተዋዲድካ ምስራሕ
- ኣብ ኩለን ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ዝርከባ O-class(ዜሮ ክፍሊ) ዝማሃሩ ህፃናት ተመዝጊቦም ወረቀት ምስክር ልደት ክሕዙ ምግባር ዝብሉን ካልኦትን ጉዳያት ናይ ግንዛበ መጨበጢ ፅሑፍ ድሕሪ ምቕራብ ናይ ርእሳነ-መምህራንን ናይ ጣብያ ክኢላታት ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ዘሎ ምትእስሳርን ምድግጋፍን ብዝፍትሽን ብዘጠናኽርን መልክዑ ዝተዘተየ እንትኸዉን ኣብ መወዳእታ ኣብ ቀፀልቲ ኣንፈታት መሰረት ዝገበረ ናይ ስራሕ መምርሒ ብምሃብ ተዛዚሙ፡፡
መእተዊ
ፅሬቱን እዋናዉነቱን ሓልዩ ዝፈረየ ስታስቲካዉን ስነ መሬታዉን መረዳእታ ንናይ ሓደ ዓዲ ማሕበረ ኢኮኖምያዉን ከምእውን ንናይ ስነ ህዝቢ ስራሕቲ ንዕቤት መነባብሮ ህዝብን ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ።ትካልና እዉን ዝተውሃቦ ልኡኽ እንትረኣይ ኣብ ኣተኣኻኽባ፣ ኣወዳድባን ዝርገሐን ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ መረዳእታን ምዝገባ ወሳኒ ኩነት ዝምልከት ፅፉፍ፣ ተኣማንን እዋናውን መረዳእታ ክዳሉን ዝእከብ መረዳእታ ድማ እዋናውነቱን ሓቃውነቱን እናረጋገፀ ክኸይድን ስታቲስቲካዊ መረዳእታ ንተጠቀምቲ ንምቕራብ ብተወሳኺ ዳህሳሳዊ መፅናዕትታት ብምክያድ መረዳእታ ብምፍራይ ነዚ መሳለጥቲ ዝኾኑ መምርሕታትን ኣሰራርሓታትን ብምትእትታው ዝፈርዩ መረዳእታታት ንተጠቀምትን ውሳነ ወሃብትን ተበፃሒ ክኸውን ንምግባር ዘኽእል ስራሕቲ ንምዕማም እዩ።
ድሕረ ባይታ
ካብ 1983 ዓ.ም. ሃገርና ዘዕግብ ምዕባለ ማሕበረ ኢኮኖሚን ሓምለዋይ ልምዓትን እናመዝገበት ከምዝመፀት ግልፂ እዩ፡፡ ምስዚ ዕብየት ተኣሳሲሩ ጠለብ ስታቲስቲካላዊን ምምሕዳራዊን መረዳእታ ብዓይነትን ሽፋንን ብዘገርም ቅልጣፈ እናዓበየ መፂኡ እዩ። እዚ ድልየት ብብርኪ ዓለም እውን ተራእዩ እዩ ። ንኣብነት ኣብ ዓለም ለካዊ ኣጀንዳ 2030ን ሽቶታት ዘላቒ ልምዓትን ብግልፂ ዝተቀመጠ መትከል ዘላቒ ልምዓት ወላ ሓደ ዝኾነ ይኹን ኣካል ንድሕሪት ክተርፍ ከምዘይብሉ ዝድንግግ እንትኮን ተግባራዊነቱ ንምፍላጥን ኣድላዩ ምምሕያሽ ንምግባርን ድማ ሃገራት ክሳብ ታሕተዋይ ምምሕዳራዊ መሓዉርን ዝሽፍንን ዝርዝር መረዳእታ ንከፍርያን ንዝተፈላለዩ ዉሳነ ወሃብትን ተመራመርትን ኣካላት ክዝርግሓን ተደንጊጉ እዩ።
እዚ ብኣግባቡ ዝተረደአን ዝተፈላለዩ ምምሕዳራዊን መረዳእታታት ሓቃዉነቶም ኣብ ሕቶ ምእታዎም ዝተገንዘበን ብሄራዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ሃገርና መሪሕ ብምዃን ስርዓት ስታቲስቲክስ ክልልና ንምህናፅን ደረጅኡ ዝሓለወ ፣ ሓቃዊን እዋናዊን መረዳእታ ንምፍራይን ንምዝርጋሕን ዝዓለመ ኤጀንሲ ስታቲስቲክስ ትግራይ ብዝብል ስም ኣብ መጋቢት 2010 ዓ/ም ብኣዋጅ ቁፅሪ 310/2010 ትካል ኣጣይሹ እዩ። ይኹን እምበር ኣብ 2014 ዓ/ም መንግስቲ ትግራይ ኣብያተ ዕዮታት ትግራይ ብሓዱሽ ንምዉዳብ ብዝገበሮ ምንቅስቃስ ኣብ ክልተ ዝተፈላለየ ትካል ኣብ ምስራሕ ዝፀንሐ ትካል ማለት እውን ኤጀንሲ ስታቲስቲክስ ትግራይን ኤጀንሲ ወሳኒ ኩነትን ብሓባር ብምዉዳብ ከም ሓዱሽ ኤጀንሲ ስታቲስቲክስ ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ተባሂሉ ክፅዋዕ ተገይሩ እዩ። ዕላማ ናይዚ ተወዲቡ ዘሎ ኤጀንሲ ድማ ንምድላው ፖሊሲ ፣ትልሚ፣ ክትትልን ገምጋምን ማሕበረ ኢኮኖሚ ክልልና ዝሕግዙ ስታቲስቲካዉን ስነ መሬታዉን መረዳእታን ሓበሬታን ምእካብ፣ ምውዳብ፣ ምትንታንን ምዝርጋሕን እዩ፡፡