TSVERA

 

 

 

                         

             መድረኽ ግንዛበ መፍጠሪ ክልል ስታፍ

  • ሎሚ ዕለት 23/07/2017 ዓ/ም ኤጀንሲ ሰታቲስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ ናይ ገንዘብ ድጋፍ ኣብ ከይዲ ምዝገባ ወሳኒ ኩነት ኮይኑ ኣብ እንታይነትን ኣድላይነትን ሲቪል ምዝገባን ምዝገባ ቤተሰብን ብዝወፀ ሓዱሽ ኣዋጅ መሰረት ብምግባርን ዝተፈላለዩ ድንጋገታት እቲ ኣዋጅን ኣፈፃፅማ ምዝገባ ወሳኒ ኩነት 2009-2017ዓ/ም መበገሲ ፅሑፍ ድሕሪ ምቅራብ ንሰራሕተኛታት ክልል ስታፍ ናይ ግንዛበ መጨበጢ መድረኽ ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ዝተሳለጠ እንትኸውን ኣብዚ መድረኽ፣
  • እንታይነትን ኣፈላላይን ሲቭልን ቤተሰብን ምዝገባ
  • እንታይነት ፅሬት መረዳእታን መለክዒታቱን
  • ካብ ምዝገባ ሲቪል ተጠቀምቲ ዝኮኑ ኣካላት
  • ፍሉይ/ዩኒክ/ ስድራቤታዊ መለለዪ ካርዲ ንምሃብ ተመዛበልቲ ወገናት ኣብ ዝበዝሕዋ ትግራይ ኸመይ ይትግበር ዝብሉን ካልኦትን ሓሳባት ድሕሪ ምልዓል ምርድዳእ ብምግባር ተዛዚሙ።
ገምጋማዊ ስልጠና ኤጀንሲ ስታቲስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን
 

ብምትሕብባር ዩኒሴፍን ኤጀንሲ ስታቲስቲክስ ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ሎሚ ዕለት23/02/2017 ዓ/ም ናይ 93 ወረዳታት መተሓባበርቲ ምዝገባ ወሳኒ ኩነት፣ ክልል ስታፍ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኣብ ኣፈፃፅማ መደባት ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን በጀት ዓመት 2016ዓ/ም ኣመልኪቱ ብዳህሳስ ዝተረኸበ ርካቦ፣ ዝነበረን ጥንካረን ድኽመትን፣ኣብ ከይዲ ምዝገባ ዘጋጥሙ ዝነበሩ ፀገማትን ዝተቀመጠ መፍትሒን ሓዊሱ ገምጋማዊ ስልጠና ዝተኻየደ እንትኸዉን ኣብ ኣሰራርሓ ዘጋጥሙ ዝነበሩ ግን ምስ መዳርግቲ ኮይንካ ክፍትሑ ዝግብኦም ፀገማትን ካልኦት መፍትሒ ዘድልዮም ወሰንቲ ጉዳያት ድሕሪ ምግምጋም ኣብ ዝተልዓሉ ሓሳባት መብርሂ ተዋሂቡ’ዩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ትልሚ አሬንቴሽን 2017ዓ/ም ብምቕራብ

  • ንሕ/ሰብ ኣስተምህሮ ክዋሃብ
  • ኩሎም ኩነት ኣብ እዋኖም ክምዝገቡ
  • ምስ መዳርግቲ ኣካላት ተዋዲድካ ክስራሕ
  • ፀብፃብ በብእዋኑ ክላኣክ
  • ንጣብያታት ደገፍን ክትትልን ክግበር
  • ወፃኢ ማእከል ክህሉ ብምግባር ዓርሱ ዝካኣለ በጀት ክምደብ ምግባር ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ብምዝታይን ብምርድዳእን ኣብ መደምደምታ ብምብፃሕ እቲ ስልጠና ተዛዚሙ እዩ ፡፡
መድረኽ ኤጀንሲ ስታቲስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን

ብምትሕብባር ኤጀንሲ ስታቲስቲክስ ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ዩኒሴፍን ኣብ ከይዲ ምምዝጋብ ወሳኒ ኩነት ኣመልኪቱ ብዩኒሴፍ ናይ ዝተሓቆፋ 13 ወረዳታት ካብ ሕድሕድ ወረዳ 5 ርእሳነ መምህራን ፤ ሓደ ሓደ ክኢላ ምዝገባ ወሳኒ ኩነት ኣብ ዝተረኸበሉ ብጣዕሚ ወሰንቲ ኣብ ዝኾኑ

  • ምስ ቁልፊ መዳርግቲ ኣካላት ማለት እዉን ምስ ቤት ፅሕፈት ትምህርትን ቤት ፅሕፈት ጥዕናን ተዋዲድካ ምስራሕ
  • ኣብ ኩለን ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ዝርከባ O-class(ዜሮ ክፍሊ) ዝማሃሩ ህፃናት ተመዝጊቦም ወረቀት ምስክር ልደት ክሕዙ ምግባር ዝብሉን ካልኦትን ጉዳያት ናይ ግንዛበ መጨበጢ ፅሑፍ ድሕሪ ምቕራብ ናይ ርእሳነ-መምህራንን ናይ ጣብያ ክኢላታት ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ዘሎ ምትእስሳርን ምድግጋፍን ብዝፍትሽን ብዘጠናኽርን መልክዑ ዝተዘተየ እንትኸዉን ኣብ መወዳእታ ኣብ ቀፀልቲ ኣንፈታት መሰረት ዝገበረ ናይ ስራሕ መምርሒ ብምሃብ ተዛዚሙ፡፡
መድረኽ ምኽክር ኤጀንሲ ስታቲስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን

ብምትሕብባር ዩኒሴፍን ኤጀንሲ ስታቲስቲክስ ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን  ካብ ኩለን ወረዳታት ናይ ዞባታት መራሕቲ ሃይማኖት ኣቦታት ፣ናይ ኤጀንሲ ስታቲስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን መራሕቲ ጉጅለ ኣቅርቦት ቅበላን መፅናዕቲን ስልጠናን ኩለን ወረዳታት፣ካልኦት ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ከይዲ ምዝገባ ወሳኒ ኩነት ናይ ግንዛበ መጨበጢ ፅሑፍ ድሕሪ ምቕራብን ኣብ ሕሉፍ 2016ዓ/ም ንመዳርግቲ ኣካላት ኣብ ዝተውሃበ ግንዛበን ዝተረኽበ ለውጢን ብምቅራብ፡-

  • መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ሕሉፍ ተሞክሮኦም ከመይ እናሰርሑ መፂኦም፣ሐዚኸ ምስ ክኢላታት ኤጀንሲ ስታቲስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ኣብ ከይዲ ምዝገባ ወሳኒ ኩነት(ልደት፣ሓዳር፣ፍትሕ፣ውላድ ጡብን ሞትን) ግደ መራሕቲ ሃይማኖት እንታይ ይመስል?
  • ምስ ክኢላታት ኤጀንሲ ስታቲስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ከመይ ተደጋጊፎም ይሰርሑ?
  • ርእሳነ መምህራን ምስ ክኢላታት ምዝገባ ወሳኒ ኩነት ብኸመይ ተደጋጊፎም ይሰርሑ?ኣብ ክሊ ስራሕ ዘጋጥሞም ፀገም ብከመይ ተረዳዲኦም ይፈትሕዎ?
  • ግደ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ንከይዲ ምዝገባ ብከመይ ይድግፉ? ኣብ ዝብሉ ዓበይቲ ሓሳባትን ካልኦትን ብምምኽኻር ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት በብፅሒቶም ወሲዶም ሓቢሮምን ተደጋጊፎምን ንኽሰርሑ ብምርድዳእ ቀፃሊ ናይ ስራሕ መምርሒ ብምሃብ እቲ ስልጠና ተዛዚሙ።
Tigray Statistics and Vital Events Registration Agency (TSVERA)

Tigray Statistics and Vital Events Registration Agency (TSVERA) is the Tigray government’s technical agency commissioned to produce socioeconomic, geospatial, and vital statistics so that various stakeholders can fast-track Tigray’s resources, economy, business, and society, and their humanitarian and development interventions are evidence-based.  Read more

Recent Post

Categories

Background

Since 1991, Ethiopia has been achieving remarkable economic and social progress as well as environmental management by adopting a green development approach. When the economy gets bigger and more complex, the demand for statistical and trustworthy administrative data has also been increasing at an alarming rate, both in magnitude and diversity. Moreover, throughout developing countries, the attainment of socioeconomic development objectives has increasingly relied on specific programs and projects designed and implemented at the regional, provincial, district, or even village level. read more

 

Vision

We are aspired to see Tigray have built a modernized vital events registration and data generation and dissemination system, and TSVERA becomes the hub of Tigray’s data and information.

Mission

We are mandated to produce and disseminate standardized, quality, reliable, and timely socioeconomic and vital events statistical data and information about Tigray through modernizing systems of data collection and management.

Scroll to Top